ሕቶይ አዝዩ ቀሊል ‘ዩ

ካብ 2ይ ናይ ዓለም ጦርነት – ብወግዒ ድማ ካብ ዝሑል ጦርነት ንነዘ ጅሚሩ አማሪካ ብሕቲ ሐያል ሀገር ንምንባራ ኩልና እንፈልጦ ሐቂ እዩ። አማሪካ ብቐጥታ ኾነ ብተዘዋዋሪ ዝበሎትን ዝአዘዘቶን ክትገብርን ክረክብን ዝመፀት ሀገር ‘ውን እያ። አማሪካ “ሃባ” እንትብል ምቕባል ጥራሕ ‘ዩ። “ስረኻ ብክሳድካ አውፂኻ ሃበኒ” እንትብል ‘ውን ቀዲድካ ኾነ ሰፊኻ ከምዝከውን ጌርካ አውፂኻ ምሃብ ዩ። “አይፋለይን” ዝብል መልሲ ንአማሪካ አይስማማዓን። ብሃሊ ዝተረኽበ እንተኾይኑ ድማ ከም ቕጫ መጠቓ ገልቢጣ ሒሳባ ብምስብሳብ እትፍለጥ ውርይቲ ዓዲ ውን ‘ያ። ኾይኑ ግና ንዝሐለፉ 15 ዓመታት ቁልቁል ሻሕተት ምባላ ጥራሕ ዘይኮነስ – አውሮትላን እንትስወር ኮነ እንትኽስከስ – ፑቲን፤ ኮኾብ ካብ ምስራቅ ናብ ምብራቕ ብልጭ ብዝበለ ቑፅሪ- ፑቲን፤ ኢ-ሜይል እንትጥለፍ- ፑቲን፤ ብሪጣኒያ – ሓደረይ ማለታ – ፑቲን፤ እንታይ አልፈዐኩም ፖለቲከኛታት ኾኑ መረባት ዜና አማሪካ ፖሊሲታቶም ካብ ምምርማርን ምእራምን “ሐሸው” ብዝበለ ቑፅሪ ብሕልሞም ከይተረፈ “ፑቲን፣ ፑቲን፤ ፑቲን …” ማለት ካብ ዘብዝሑ ዓመታት ሓሊፎም አለው።

መልዓልዬይ ስለ አማሪካ ምህውታት አይኮነን። የግዳስ መራሕቲ “ህወሐት” ኮነ ሰብመዚ ኢህወደግ ኩነትት ኢትዮጵያ ብዝምልከት መግለፂ ብዘውፅኡ (አፎም ብዝኸፈቱ) ቑፅሪ “ሻዓቢያ፣ ሻዓቢያ፣ ሻዕቢያ” ማለትን መንግስቲ አሥመራ ምጥቃን ስራሕና ኢሎም ምሐዞም – ከም ሐደ ግዱስ ትግራዋይ ስርሖም ዘበለ ኹሉ ጠገለ ዘይብሉ ምኻኑ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ጥዕና ኾይኑ ስለ ዘይረኸብክዎ እውን እዩ።

ሕቶይ አዝዩ ቀሊል ‘ዩ

ሻዕቢያ አውራ ፀላኢ ሕዝቢ ትግራይ ንምኻኑ ብውልቀይ ሕቶ የለን። ሻዕቢያ ብተፈጥርኡ ህዝቢ ትግራይ ንምድማይ ዘይድቅስ ኸልቢ ዓረብ ንምዃኑ ውን ኹልና ዘስማዕምዕ ሐቂ ኢዩ። ሕቶይ አዝዩ ቀሊል ‘ዩ። ሰበስልጣን ኢህወደግ ኾኑ መራሕቲ “ህወሓት” ፀላኢኦም አለልዮም/ነፂሮም ካብ ፈለጡ መፍትሒ አብ ምሃብ በፂሖም ዕውንውን ዘብሎም ዘሎ ምኽንያት እንታይ ‘ዩ? አብ ከተማታትን ዞባታትን ኢትዮጵያ ዝፍጠር ዘሎ ሁከት ከምኡ ድማ ዕግርግ – ቦንብን ፈንጅን እናዕጠቀ ዝልእኾም ዘሎ ሻዕቢያ ‘ዩ፥

  • ፀላኢኻ ሻዕቢያ ‘ዩ፤
  • ዝተናኾሰካ ዘሎ ሻዕቢያ ‘ዩ፤
  • ዘፈናቕለካ ዘሎ ሻዕቢያ ‘ዩ፤
  • ልምዓትካ ዘይደሊ ዘሎ ሻዕቢያ ‘ዩ፤
  • ሰላምካ ዝርብሽ ዘሎ ሻዕቢያ ‘ዩ፤
  • አየርካ ዝብክል ዘሎ ሻዕቢያ ‘ዩ፤
  • ገረወኛ ሐሸው ብዝበለ ቑፅሪ ሻዕቢያ ‘ዩ ካብ በልኩምና – ሻዕቢያ ኢዱን እግሩን ሰብሲቡ ንኽቕመጥ እንትይ ገበርኩም? ‘ዩ ናይ ህዝቢ ሕቶ። ወግሐ ፀብሐ መወዳእታ ዘይብሉ መግለፅታት ካብ መሃብ ሐሊፉኩም አበይ አለኹም? ‘ዩ ዝብል ዘሎ ህዝቢ።

“ገፅና ናብ ልምዓት ስለ ዘዞርና … “ ዝብል መልሲ ብጥልቀት ዘመርመርናዮ እተኾይኑ ብሐቂ እዝኒ ፀማማት ከይተረፈ ዝኹርኩር ሐርፋፍ ቋንቋ ‘ዩ።  ሐቂ ‘ዩ ጦርነት ሀብትን ህዝብን ዝበልዕ ከም ሙኻኑ መጠን አማራፅታት እንትሰአን ከም ናይ መወዳእታ አማራፂ ዝውሰድ ደአምበር “አንጭዋ ሐለፈት ዱሙ ተዓንቀፈት” ተባሂሉ ዝእተው ነገር አይኮነን። ሕዚ ‘ውን  እንተኾነ ሕቶይ ቀሊል ‘ዩ።

  • መንግሥቲ ኢህወደግ ብሐቂ አብ ልምዓት እየ ዘለኹ ኢሉ ዝአምን እንተኾይኑ፤
  • መንግሥቲ ኢህወደግ ፀላኢ ብሔር ብሔረ-ሰባት ኢትዮጵያ ሻዕቢያ ኢሉ ብጭቡጥ ካብ አረጋገፀ፤
  • ዘልማዕናዩ ልምዓት እናተኸታተለ ዘፍርሰልና ዘሎን ሰላም ህዝብታት ኢትዮጵያ ዝሕምስ ዘሎ ሻዕቢያ ‘ዩ ካብ በለ፤
  • መንግሥት ኢህወደግ “ልምዓት” እናበለ ዝፅውዖ ዘሎ ልምዓት እንታይ ዝብልዎ ልምዓት ‘ዩ? ዘልምዓ ዘበለ ኹሉ ሻዕቢያ እግሪ እግሪ እናተኸታተለ ፈንጅን ቦንቡን እናፅመደ ሐመድ ዝግብሮ እንተኾይኑ ናይ መንግሥት ኢትዮጵያ ልምዓት – ልምዓት ወይስ “ገዛ ገዛ ፀወታ?”
  • መኒኡስ ይቀልል? ዘልማዕኻዩ ልምዓት መሊስካ መላሊስካ ምኹዓትን ምምላእን ወይስ ዕረፍቲ ዝሰአና አፃብዕቲ ሻዕቢያ መዳዲብካ ናብ ልምዓት ምምላስ?

ንመራሕቲ ውድብ “ህወሐት” አባልቱን

ሕዝቢ ከናፍርኩም ዘይኮነስ ልብኹም አለሻ ከምዝወፀን ከምዘድከሞን ክንደየናይ ግልፂ ከምዝኾነልኩም ንምግማት አዝዩ አፀጋሚ ‘ዩ። ብሐደ ወገን “ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ኮነ ፀላኢ ብሔር ብሔረ-ሰባት ኢትዮጵያ አለሊና ፈሊጥናዮ አሎና ቅድሚ ሕዚ ‘ውን እንተኾነ ፀላኢና አይጠፍአናን!” በሃልቲ እንትኾኑ፤ ፀላኢኩም አዚኹም ካብ ምፍላጥኩም ዝተልዓለ ድማ መቕሎ ሐጭን ከይተረፈ ደርጓዕ ብዝበለ ቁፅሪ “ሻዕቢያ ‘ዩ” ማለት አመል ጌርክምዎ አለኹም። እምበአርከስ – ሻዕቢያ ምሕብሐብን ምክንኻንን ከም ፍቱን ስትራተጂ ቀይስኩምን ሒዝኩምን ሕዝቢ ትግራይ ምዝንጋዕ ቅዋምኩም ካብ ኮነ ሕዝቢ ትግራይ አብ ጓጉኡ ዘሎ ፀላኢዩ ክፈልጥ ድማ ግድን እዩ። አይመስለኩምን? እዚ እንትብል ግን አብ ውሽጥን አብ ደግን ዝነበር ትግራዋይ ኩሉ መውዓልን መሕደርን መራህቲ “ሕወሐት” ጠፊኢዎ ማለተይ አይኮነን። ህዝቢ ትግራይ ብሽሙ ፅጋብ ዝሐነቆም መራሕቲ “ህወሐት” አድራሸኦም አዳዕዲዑ ዝፈልጥ ህዝቢ ‘ዩ።

ዝኾነ ኾይኑ – ዓሌት “ባኒ ሃንዛላ” ሁሴን ሙባረክን – ዘርኢ ዓሌት “ዋርፋላ” ወገኖም ዝኾነ ኮሌነል ጋዳፊ ካብቲ አብ ምድሪ ግብፅን ሊብያን ዝነፈሰ ሐያል ነፋስ ከትርፎም ከምዘይከአለ ኹሉ መራሕቲ “ህወሐት” ምድሪ እንትመሺ ሕዝቢ ትግራይ ዑቕባ ክኾነና ‘ዩ ዝብል እምነት ከምዘይህልወኩም ተስፋ እገብር። አብ መላእ ኢትዮጵያ እሳት እንትነድድ እግረይ አውፅእኒ ኢሉ ደቁን ንብረቱን ሰብሲቡ ናብ መቐለ ዝሃድም (አብ መቐለ ኮፍ ዝብል) በዓል መዚ “ህወሐት” ዝህልው አይስለንን። ዓሻ ወድማ ካብ ታሪኽ ዘይመሃር ባህልቢ እንተዘይኮይኑ።