ካብ ዝብኢ ዶ ዓጽሚ (ትግርኛ)

እቲ ዝገርም፥

  • አብ ትግራይ መሰል ደቂ ሰባት ይገሃስ አሎ፤ 
  • ካድረታት ውድብ ጠገለ ሲኦኖም አለዉ፤ 
  • ህዝቢ መጻወቲ ዕሱባት ይኸውን አሎ፤
  • ህዝቢ ፍትሒ ይስእን አሎ፤
  • ህዝቢ ይብደል አሎ፤ 
  • ህዝቢ የእውይ አሎ፤
  • ወጽዓ ይበዝሕ አሎ፤
  • ውሑዳት እንካብ ጽጋብ ዝተልዓለ ዓቕሎም እንትጸቦም ህዝቢ ድማ ይጠሚ አሎ፤ 
  • ብሰንኪ ውሑዳት ውልቀ መለኽቲ ትግራዋይ አብ ዝኸዶ/ዝረገጾ ምድሪ ኹሉ መእተዊ መውጽኢ ስኢኑ አሎ፤
  • ዓዲ አብ ኢድ ደቂ ሩባ ወዲቓ ትሕመስ አላ እንተብሃል – መልሲ ሕንከት ዘይሓለፎም መራሕትን ካድረታት ውድብ ድማ ዝተሓተትዎ ገዲፎም – “ተመልከት ምዕባለ ህንጸት ግድብ ኣባይ!፣ አዲስ አበባ ዝህነጹ ዘለዉ ህንጻታት፣ ዝርዝርጋሕ ዘሎ መንገዲ ባቡር … ናይ መን ኮይኑ?!” እናበሉ ምብጫውን ዘይተጠየቕዎ ዓጀው ጀው ምባሎም ጥራሕ ዘይኮነስ ተገልቢጦም ወንጠርቲ ምኳኖም ‘ዩ አዝዩ ዝገርመኔ።

መንግሥታዊ ቴሌቭዥን ኢትዮጵያ እውን እንተኾነ ብዘየካ አብ ሰማይ ዘሎ ደመና ዝዓይነቱ “ልምዓት” ኻሊእ ቋንቋ የብሉን። አነ ዝገርመኔ እቲ አብ ኢትዮጵያ “መጺኡ አሎ” ዝበሃል ዘሎ ልምዓት አበይ ዘሎ ልምዓት እዩ? መልክዕን ኩነታት ኢትዮጵያ ቅድሚ ዓሲራ ዓመት ደርጊ ምስሐደጋ ከምአ ኢላ እያ ዘላ ዝብል ፀልማት አተሓሳስባ ዝነገሶ ዓይነት ሰብ አይኮንኩን። ወልሓንቲ ለውጢ ዝብሃል ነገር የለን አይኮነን ሞገተይ። አብ ኢትዮጵያ “አሎ” ወይድማ “መጺኡ አሎ” ዝበሃል ዘሎ “ልምዓት” ግን ሃገራዊ መሰረት ዘለዎ ልምዓት ዘይኮነስ አብ ርዳዕታ ምዕራባውያን ሃገራት ዝተመስረተ ንዘላቂነቱ ተአማኒነት ዘይብሉ ምዕራባውያን ሃገራት ኢዶም ዝሰብሰቡ ዕለት ደው ዝብል ጊዚያዊ ምኳኑ ክንተአማመን ይግባእ። 

እቲ ሓቂ እዙይ ‘ዩ። ኢትዮጵያ ካብ ምዕራባውያን ሀገራት እትረኽቦ ናይ ረጠባ ገንዘብ ብዝሒ እንጸባጸብ እንተተባሂሉ ብአፍሪካ ደረጃ ዝስተኻኸላ የለን። ብእትረኽቦ ብዝሒ ገንዘብ ድማ አይኮነንዶ ዓባይ ምግዳብ፣ ምዝርጋሕ መንገዲ ባቡር ንሕድሕድ ኢትዮጵያዊ ዜጋ ነጻ ወርሐዊ ደመወዝ ክትከፍል ይግባአ ነይሩ።

ዜጋታታ ዘይፈልጥዋ ኻሊእ ኢትዮጵያ እንተዘይሃልያ እዛ እንፈልጣ ምስራቓዊት አፍሪካ ኢትዮጵያስ አየናይ ገቢ ሃልዩዋ እዩ “ልምዓት! ልምዓት!” እናተብሃለ እዝንና ዝጸመመ? ብርዳእታ ዝተረኸበ ገንዘብ መንገዲ ባቡር፣ ጽርጊያ ምስራሕ ድዩ እቲ ልማት ተባሂሉ ብዙሕ ዝንገረሉ ዘሎ? ካሊእ ይተረፍ እዚኣ እንዘይትገብሩ ነይርኩምማ እንታይ ክገጥመኩም ይኽእል ከምዝነበረ ካባኻትኩም ንላዕሊ አዳዕዲዑ ዝፈልጥ ሰብ የለን። እማነይ ዶ?

  • እምበኣርከስ እቲ ሓቂ – ብውሽጥን ብግዳምን፤ ብየማን ጸጋም ከም ከበሮ አሸንዳ ምስተወጠርኩም ካብ ሎሚ ጽባሕ ገልበጡና እናተብሃለ እትሕዝዎን እትጭብጥዎን ምስ ሰአንኩም ፍርሕን ራዕድን ዝፈጠሮ ኩነታት ደኣምበር ብሓቂ ጽርጊያ ክተንጽፉን መንገዲ ባቡር ንኽተሳልጡ ደሊኹም አይኮነን። ድሕሪ ሃገራዊ ምርጫ 1997 ዓ.ም አብ ኢትዮጵያ አዝጋሚ ለውጢ አሎ አንተተባሂሉ እዚ አሎ ዝበሃል ዘሎ ለውጢ ብተሃድሶ ዝመጸ ለውጢ ዘይኮነስ ቅድሚ ሃገራዊ ምርጫ 1997 ዓ.ም ናብ ጁባኹም ዝኣትው ዝነበረ ገንዘብ አብ መዓልኡ ምውዓሉ ዩ እቲ ምስጢር።

ካብ ቀረባ እዋናት ንነዘ ድማ ሰብ መዚ ሃገርና “ልምዓታዊ መንግሥቲ!” ዝብልዋ ጭርሖ ተሐንጊጦም ብዝረኸብዎ አጋጣሚ ኹሉ መሬት አይትኹንኔ ክብሉ እናረአናዮም ኢና። አነ ብግለይ ልምዓታዊ ተብሃለ አብዮታዊ፤ ኮሚንስታዊ ተብሃለ ዲሞክራሲያዊ ችግር የብለይን። እንታይ ድአ ናብራ ሕዝብን ኩነታት ሃገርን ዝልውጥ አተሐሳስባ፣ ፍልጠት፣ ትምህርቲ ድአምበር አብ ግንባርካ ታፔላ ብምልጣፍ አይኮነን ባሃላይ እየ። ንዓርሱ ዘይተለወጠ ድሑር አተሐሳስባ ዝዓብለሎ መራሕ ሀገር ናባራ ህዝብን ኩነታት ሃገርን ክልውጥ እዩ ኢልካ ተስፋ ምግባር ካብ አዛብእ ዓዲ አቡን ዓጽሚ ምጽባይ ጥራሕ እዩ ዝኸውን።

ብብዝሒ አኼባን “ልምዓት! ልምዓት!” እናተብሃለ ስለ ዝተደርፈን ዝመጽእ ልምዓት የለን። ብብዝሒ አኼባ እትቐንዕ ሀገር የላን። ብተዋሳኺ፥ ዝባኑ ብዕሩቑ፣ ከብዱ ብጡሙዩ “ልምዓት! ልምዓት!” ክብል ለፍሊፉ ዘይደኽሞን ዘይርብርቦን ከሊፋ (ካድረ) ምፍራይን ምጭጫሕን ይከአል ይኸውን እንተደኣ እታ ልምዓት ግን ብብዝሒ ጭርሖን ዳንኬራን አይትመጽእንያ። ብካድረታት እትምራሕ ዓዲ ድማ እንትበርስን እንትፈራርስን ድአምበር እንትልምልም አይረአናን። 

ልምዓት ሰሪሑ ዘስርህ ናይ አእምሮ ውፅኢት ‘ያ። ልምዓት ካብ “አብዮታዊ” ናብ “ዲሞራሲያዊ” ካብ “ዲሞክራሲያዊ” ናብ “ልምዓታዊ” አኩራባት ስለ ዝተገለባበጥካ እትፍጠር ጽውጽዋይ ‘ውን አይኮነትን። ልምዓታዊ፣ ኮሚኒስታዊ፣ ለዘብተኛ፣ ዲሞክራሲያዊ፣ ሾሻሊስ፣ ወዘተ ስለ ዝተብሃለ አይኮነን ቁምነገሩ። ኢትዮጵያ ዘይኮኖቶን ዘይሐለፈቶን ናይ ሥርዓት ዓይነት የለን። የግዳስ ዘመን ሐሊፉ ዘመን ብዝተተከኣ ቑፅሪ ብብዝሒ ጠልቆምቆም ብዜሮ እናተባዘሓት አደዳ ድኽነት፣ ድሕረትን ውድቀትን ደአ ኾይና ተረፈት እምበር። 

ድሑር ብረታዊ አተሓሳስባ አባላት ውድብ ከይተለወጠ፤ ሰባቶም ባዕላቶም ከይተለወጡ ክንዲድላዩ ናይ ሽም ለውጢ እንተተገብረ አብ ትግራይ ኮነ አብ ኢትዮጵያ ዝመጽእ እንኮ ለውጢ የልቦን። ችግር ዓድና ናይ “ሥርዓት” ስያሜ ችግር ዘይኮነስ ችግር ዓድና ሰባቶም ባዕላቶም ኢዮም። አቱም ሰባት መኪናዶ ብዘይ ነዳዲ ወይድማ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ትንቀሳቐስ ‘ያ? ቁልቁለት ምውራድ ይከአላ ይኸውን እንተደአ ዓቐበት ግን ሞተራ ዘንቀሳቕስ ነዳዲ ወይድማ ሓይሊ ኤለክትሪክ እስካብ እትረክብ ደው ምባላ አይተርፍን። እቲ ሳልሳይ አማራጺ ብሓይሊ ሰብ  እናተደፍኣት ንኽትከይድ ምግባር ኢዩ። እቲ ራብዓይ አማራጺ እንተስ ብልመና እንተስ ብኽፍሊት ብኻልእ መኪና እናተጎተት ንኽትከይድ ምግባር ‘ዩ። ተጻዒና ምኳድ ‘ውን አሎ። ግን እስካብ መዓዝ? እስካብ መዓዝ እናተደፍኣት? እስካብ መዓዝ እናተጎተት? 

  • አብዚ ሕዚ እዋን መራሕቲ ሃገር አባላት ውድብ ብግዳማዊ ሓይሊ እናተጎቱን እናተደፍኡን ንምኳኖም ክንጠራጠር የብልናን። ፈቲና ጸሊእና አብ መሪሕነት ሃገርን ምምሕዳር ህዝብን ዝተቀመጡ ግለሰባት ዓቕሞም ጸንቂቆም ካብ ዝውድኡ (ካብ ዝደርቁ) ነዊሕ ጊዜ ሓሊፉ ‘ዩ። ብረት ተዓጢቕካ ቃልሲ ኻልእ ምምሕዳር ህዝብን ምምራሕ ሃገር ድማ ኻልክ። ብብረታዊ አተሓሳስባ ለውጢ (ልምዓት) ክመጽእ አይክእልን ‘ዩ። 

ህዝቢ ትግራይ ንዓሰርተ ሸውዓተ ዓመታት ብዘካየዶ ብረታዊ ቃልሲ ዝከፈሎ ናይ ህይወት መስዋዕትነትን ዘመዝገቦ ዓወት ቀጻልነት ክህልዎ እንተተደልዩ ብሽም ነባር ተጋዳላይ ብዘይ ስሩዕ ትምህርቲ አብ መሪሕነት ቦታ ዝተቐመጡ ሰብ መዚ አባላት ውድብ በኽብሪ ክስነዩ ይግባእ።

ዲ/ን ሙሉጌታ ወልደገብርኤል

Email: yetdgnayalehe@gmail.com

March 28, 2014